Valmyndigheten

እንታይ ዓይነት ምርጫ እዩ?

ሰንበት 13 መስከረም 2026፡ ንባይቶ፡ ባይቶ ምምሕዳር ዞባ ከምኡ ውን ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ዝምልከት ምርጫ፡ ክካየድ እዩ። ኣብ ባይቶ፡ ባይቶ ምምሕዳር ዞባ ከምኡ ውን ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ዘሎ ቦታታት፡ እቲ ንስኻን ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባትን ዝህብዎ ድምጺ መሰረት ጌርካ`ዩ፡ ዝመቓራሕ።

  • ባይቶ - ኣብ ሽወደን ዘገልግሉ ሕግታትን ካልእን ይውስን።
  • ባይቶ ምምሕዳር ዞባ - ንሕክምናዊ ኣገልግሎትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ዝምልከቱን ካልእን ጉዳያት ይውስን
  • ባይቶ ምምሕዳር ከተማ - ንኣብያተ-ትምህርታትን ክንክን ኣረጋውያንን ዝምልከቱን ካልኦት ጉዳያትን ይውስን

ኣበይን መዓስን ከድምጽ ይኽእል?

ካብ 26 ነሓሰ ክስብ’ታ ምርጫ ዝካየደላ ዕለት፡ 13 መስከረም፡ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣቐዲምካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣቐዲምካ ከተድምጸሉ ኣብ እትኽእል ቦታ ብምኻድ፡ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ምርጫ ዝካየደላ ዕለት፡ 13 መስከረም፡ ኣብቲ ኣብ ወረቐት-ምርጻ ሰፊሩ ዝርከብ ቦታ ብምኻድ፡ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ምርጫ ዝካየደሎም ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ val.se ኣቲኻ ክትረኽቦ፡ ትኽእል።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይነ ከድምጽ ይኽእል’ዶ?

ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስእትህሉ፡ ብመገዲ ቡስጣ ወይ ውን ናብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ሽወደን ብምኻድ፡ ኣቐዲምካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ብቡስጣ ድምጽኻ ብምልኣኽ ከተድምጽ ምስእትደሊ፡ ሓደ ፍሉይ ዘድልየካ ነገር ወይ ማተርያል ኣሎ። ነዚ ነገር’ዚ ካብ በዓል-መዚ ምርጫታት፡ ምምሕዳር-ከተማ፡ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ክትእዝዞ ትኽእል።

እቲ ብቡስጣ ዝለኣኽ ድምጺ፡ ድሕሪ 30 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኢኻ፡ ክትልእኮ ዘለካ። ኣብ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ድሕሪ 20 ነሓሰ ኢኻ፡ ኣቐዲምካ ከተድምጽ እትኽእል።

ኣብ ደገ እትነብር ሽወደናዊ (ምዝጉብ ነባሪ ሽወደን ዘይኰንካ) ምስእትኸውን፡ በዓል-መዚ ቀረጽ ሽወደን ኣድራሻኻ ምስዝህልዎ፡ ብቡስጣ ንምጽማጽ ዘድሊ ነገራትን ናይ ወጻኢ ወረቐት-ምርጻን፡ ብቡስጣ ይለኣኸልካ። ኣብ ሽወደን ዘገልግል ዲጂታላዊ ሳጹን-ቡስጣ ምስዝህልወካ፡ ናይ ወጻኢ ወረቐት-ምርጻ ብዲጂታላዊ መገዲ ከምኡ ውን ብወረቐት ይለኣኸልካ።

ኣበየኖት ምርጫታት ከድምጽ ይኽእል?

እታ እትለኣኸልካ ወረቐት-ምርጻ፡ ኣበየኖት ምርጫታት ከተድምጽ ከምእትኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ዝሓዘት እያ። ወረቐት-ምርጻ ብዲጂታላዊ ሳጹን-ቦስጣ ከምኡ ውን ብወረቐት ብተራ ቡስጣ ይለኣኸልካ።

ኣብ ምርጫ ባይቶ ንምድማጽ፡ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣለካ፡-

  • እንተደንጔኻ ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ
  • ዜግነት ሽወደን ዘለካ ክትከውን ኣለካ። ከምኡ ውን
  • ኣብ ሽወደን እትነብር ወይ ትነብር ዝነበርካ ክትከውን ኣለካ

ኣብ ሽወደን ከም ቀዋሚ ነባሪ ዘይተመዝገብካ ናብ ካልእ ሃገር ዝገዓዝካ ምስእትኸውን፡ ካብ በዓል-መዚ ምርጫታት ብቡስጣ ንምድማጽ ዘድሊ ነገራትን ናይ ወጻኢ ወረቐት-ምርጻን ክለኣኸልካ መታን፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 10 ዓመት ኣብ መዝገብ-መረጻ ምዝገባኻ ንምሕዳስ ከተመልክት ኣለካ።

ኣብ ባይቶ ዞባን ባይቶ ከተማን ንምድማጽ፡ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣለካ፡-

  • እንተደንጔኻ ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ
  • ዜግነት ሽወደን ዘለካ ከምኡ ውን ነባሪ ናይቲ ዞባ ወይ ከተማ ክትከውን ኣለካ

ወይ ውን

  • ዜግነት ናይ ሓንቲ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ወይ ውን ዜግነት ኣይስላንድ ወይ ነርወይ ኴንካ ነባሪ ናይቲ ዞባ ወይ ከተማ ክትከውን ኣለካ

ወይ ውን

  • ዜጋ ናይ ሓንቲ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሳ ሃገራት ወጻኢ ወይ ከኣ ሃገር-ኣልቦ ኴንካ፡ ቅድሚ ዕለተ-ምርጫ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሽወደን ክትነብር ዝጸናሕካ ነባሪ ናይቲ ዞባ ወይ ከተማ ክትከውን ኣለካ።

ክማልኦ ዝግበኣኒ ነገር ኣሎ`ዶ?

መንነት ወይ ታሴራ ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ። ታሴራ ምስዘይህልወካ ከምኡ ውን ተቐባሊ-ድምጺ ዘይፈልጠካ ምስእትኸውን፡ ካልእ ሰብ ክምስክረልካ፡ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ፡ እቲ ዝምስክረልካ ሰብ፡ ታሴራኡ ከርኢ ኣለዎ። ወረቐት-ምርጻ ከምኡ ውን መድመጺ ቡስጣ ኣብ ኩሉ መድመጺ ቦታታት ተቐሪቡ ይርከብ።

ብኸመይ ኣገባብ’የ ዘድምጽ?

ኣብቲ ምርጻ ዝካየደሉ ቦታታት፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ምርጫታት ዝምልከት ወረቐት-ምርጻ ትመርጽ። ነነፍሲ-ወከፍ እተድምጸሉ ምርጫ ወረቐት-ምርጻ ተልዕል። እቶም ንባይቶ፡ ዞባን ከተማን ዝምልከቱ ወረቐት-ምርጻ፡ ሕብሮም ዝተፈላለየ እዩ።

ወረቐት-ምርጻ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ብጫ፡ ንምርጫ ባይቶ
  • ሰመያዊ፡ ንምርጫ ዞባ ከምኡ ውን
  • ጻዕዳ፡ ንምርጫ ከተማ

ወረቐት-ምርጻ ኣብ ኩሉ መድመጺ ቦታታት ተቐሪቡ ይርከብ።

ሰልፊ መሰረት ጌርካ ምድማጽ

ክትመርጽ እንከለኻ፡ ወትሩ፡ ድምጺኻ ንሰልፊ ኢኻ ትህብ። ስም ሰልፊ ኣብቲ ወረቐት-ምርጻ ሰፊሩ ትረኽቦ። ነታ ከተድምጸላ ዝደለኻ ሰልፊ ዝምልከት ወረቐት-ምርጻ ምስዘይትረክብ፡ ኣብ ባዶ ወረቐት-ምርጻ ስም ናይታ ሰልፊ ብምጽሓፍ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ባዶ ወረቐት-ምርጻ፡ ስም ሰልፊ ዘይብሉ ወረቐት-ምርጻ፡ ማለት እዩ።

ሕጹይ መሰረት ጌርካ ምድማጽ

ኣብ ሓደ ውሱን ኣባል ሰልፊ ከተድምጽ ምስእትደሊ፡ ኣብ ወረቐት-ምርጻ ኣብ ቅድሚ ስም ናይቲ ሕጹይ ምልክት ጌርካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሕጹይ ጥራይ ኢኻ፡ ክትመርጽ እትኽእል። ባዶ ወረቐት-ምርጻ ተጠቂምካ ስም ሰልፍን ሕጹይን ብምጽሓፍ ውን ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ።

ወረቐት-ምርጻ ከተልዕል እንከለኻ ይኹን ምርጫኻ ስርዓት ከተትሕዞ እንከለኻ፡ ብድሕሪ መጋረዲ ብሕት ወይ ግልል ክትብል ኣለካ። እንታይ ተድምጽ፡ ምስጢራዊ እዩ።

ኣብ ምድማጽ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል’ዶ?

ብሰንኪ ኣካላዊ ጸገማት ወይ ውን ብኻልእ ምኽንያት፡ ሓገዝ ምስእትደሊ፡ ተቐበልቲ-ምርጻ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ተቐበልቲ-ምርጻ ናይ ስትረት ግዴታ ስለዘለዎም፡ እንታይ ከምዘድመጽካ ንኻልእ ሰብ፡ ኣይሕብሩን እዮም። ካልእ ሰብ ክሕግዘካ ይኽእል እኳ እንተዀነ፡ ተቐባሊ-ምርጻ ግን ምሳኹም ክህሉ ኣለዎ።

መርጫ ዝካየደሉ ቦታታት መዓስ-መዓስ ክፉት ምዃኑ ዝሕብር ሓበሬታ ኣብ val.se ኣቲኻ፡ ክትረኽቦ ትኽእል። ምርጫ ዝካየደሉ ቦታ ንኣካላዊ-ጸገማት ዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ መሳለጥያታት ኣለዎን የብሉን ንምፍላጥ፡ ምምሕዳር ከተማ ክትውከስ ትኽእል።

ምስ ብረይል (ፍዴላት ዓይነ-ስዉራን) ዝተተሓሓዘ መሳለጥያታት ምስዘድልየካ፡ ካብ በዓል-መዚ ምርጫታት ክትእዝዝ ትኽእል።

ናብ መጽመጺ ክኸይድ ምስዘይክእል፡ ከድምጽ ይኽእል’ዶ?

ብሰንኪ ኣካላዊ-ጸገማት፡ ናብ መድመጺ ክትከይድ ምስዘይትኽእል፡ ድምጺኻ ብመልእኽተኛ ጌርካ ናብ ቦታ-ምርጫ ክትልእኮ ትኽእል። ከምዚ ክትገብር ምስእትደሊ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ወይ በዓል-መዚ ምርጫታት ክትእዝዞ ዘለካ፡ ፍሉይ ነገር ወይ ማተርያል ኣሎ።

ብዜካ`ዚ፡ ድምጽኻ ዝቕበለካ ተቐባሊ-ምርጻ ውን ክለኣኸልካ፡ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ተንቀሳቓሲ መቐበሊ-ምርጻ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንምምሕዳር ከተማ፡ ክትውከስ ትኽእል።

ብመገዲ መልእኽተኛ ወይ ተንቀሳቓሲ መቐበሊ-ምርጻ ኣቢልካ ንምድማጽ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ val.se ብምእታው ወይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክትረኽቦ ትኽእል።

Sök